ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ወሰዲ ናቶም ታሪኽ የዕልሉ።

ኣነ Wala ይበሃል፣ ኣነ 20 ዓመት እዩ ዕድመይ ካብ Syrien ኣየ መጺኤ።

ኣብኡ ኣብ ትምህርቲ ኣየ ነይረ። ኣን ካብ 2014 ጀሚረ ኣብ ጀርመን እየ ዘለኹ። ኣብ ናይ ነጻ ግዜይ ምቁር መግብታት ክስንክት እዩ ደስ ዝብለኒ።

እንታይ እዩ ኣብ ጀርመን ፍልይ ዝበለ? 
„ኣብ ጀርመን ብዙሕ ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ናጽነትን መስል ምርካብን ኣሎ። እተን ቤት ትምህርታት ጽቡቓት ኣየንን፣ ከምኡድማ ኣነ ሓደ ጽቡቅ ስራሕ ክረክብ ይኽእል እየ።“
ኣየኖት ዓይነት ጸገማት ነይሩኪ፣ ንስኺኸ ከመይ ጌርኪ እኺ ፈቲሕክዮ?
„ኣብ መጀመርያ እቲ ቋንቋ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ ነይሩ ንዓይ። ኣነ ከም ዝመሓየሽ ገይረ፣ ንሱ ኽኣ ኣነ ናይ ምምሃር-ቪደዮታት ኣብ Youtube እናረኣኹ እየ።“

እንታይ ኢና ሕጂ ዝገብርና፣ እሞከኸ ስለምንታይ እዩ ንሱ ጽቡቕ ንዓና? 

ኣብ ሓደ ናይ ምድላው-ኮርስ ነቲ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ንስኺኸ ተኻፊልኪዶ? ኣየኖት?
„ኣነ ነቲ ናይ ምድላው ትምህርቲ „ምጅማር ናብ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ f“ ኣብ Evonik ከም ዝካፈል ገይረ።
(በቲ ናይ ንሞያዊ-ካለት ምድላው ስጉምቲ „ምጅማር ናብ ሞያዊ-ክእለትf“ Evonik ነቶም ክስልልጥኑ ድልየት ዘለዎም መናእሰይ ብዛኦብኡ ትድግፎም እያ፣ ነቲ ናይ ሞያዊ-ትምህርቲ ምውሳድ ከበስሉ ምእንቲ። ኣብ መጨረሻ ናይቲ ስጉምቲ ድማ እቶም መንእሰያት ኣብ ሓደ ናይ ክእለት-ምውሳድ ተዳልዮም ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ወላ ኣውን ከምቲ ናቶም ዝንባሌን ውጽኢትን ዝወሃሃድ ፈተሻ ይግበር እዩ፣ ምናልባት ንዐኦም ብቐጥታ ሓደ ናይ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ንምውሳድ ቦታ እውን ወፈያ ክግበረሎም፣ ወይድማ ክተራኽቦም ክግበር ከም ዝከኣል እዩ።)“
ከመይ ጌርኪ ኢኺ ነዚ በጺሕክዮ?
„ኣብቲ ነቲ ሃተታ ምግባት ነቲ ናይ ምጅማር ናብ ሞያዊ-ክእለት ፕሮግራም ኣነ ብ Reinit e.V. ከም ዝሕገዝ ተገይሩለይ። እዚ ናይ ንማሕበረሰብ-ጠቓሚ ማሕበር ንደቂ ሰባት ኣብቲ ናይ ዞባ Emscher –Lippe ሓደ ናይ ገዛእ ርእስኻን ከምኡውን መጻኢ ዕድላትካን ይኹን ክተማዕብል ዝሕግዝ እዩ።“
እንታይከ እዩ ንዓኺ ብዛዕብኡ ታሕጓስ ዝገበረልኪ? 
„ኣነ ሓደስቲ ሞያዊ-ክኢለታት ተላልየን ከምኡውን ሓደስቲ ዕርክነታት ከፈጥር ክኢለ።“
መንዩ እዩ ሓጊዝኩ ኣብዚ ናትኪ መንገዲ ናብ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ምግባር?
„ኣብቲ ናይ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ግዜ ኣነ ደገፋት ካብቶም ዓለምቲ ኣብ ትካል ነይሩኒ እዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዓይ እቶም መማህራን ኩሉ ግዜ ሓገዝ ኣብ ዝደለኹሉ እዋን ይሕጉዙኒ ነይሮም። ኹሉ ግዜ ሕቶ ኣብ ዝነበረኒ ነቱ ኩሉ ክርደኦ ዘይከኣልኩ ነገር ድማ ንሳቶም ብታሕጓስ እዮም ንዓይ ዘብርሁለይ ነይሮም። ኣነ ወላ ካብ ካልኦት እንተኾነውን ሓገዝ ይግበረለይ ነይሩ እዩ። ንሳቶም ንዓይ ኣብቲ ናይ ናብ ትካላት ዝጽህፎ ሓተታት ሓጊዞምኒኦ ኣዮምን፣ ከምኡውን ነቲ ናይ ጀርመን-ትምህርቲ ብድሕሪ ምምሃር እውን ኣብቲ ናይ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ይህቡኒ ነይሮም እዮም፣ ምእንቲ ነቲ ናተይ ናይ ጀርመን ቋንቋ ምእንቲ ከመሓይሽ።“

ስለምንታይ ኢና ንሕና ንሓደ ድርባዊ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ክንወስድ ወሲንና? 

እንታይ ዓይነት ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ትወስዲ ኣሎኺ ሕጂ?
„ኣነ ነቲ ናይ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲይ ናይ ቀመማዊ-ላቦራቶሪ ክኢላ ንሙዃን ኣብ Evonik Industries AG ይገብር ኣሎኹ፣ ኣብ 2ይ ናይ ትምህርቲ ዓመት እየ ዘለኹ።“
ስለምንታይ ኢኺ ንስኺ ንሓደ ድርባዊ ምያዊ ክእለት-ስልጠና ክትወስዲ ወሲንኪ?
„ኣነ ነዚ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ንኽገብር ንርእሰይ ወሲነ፣ ስለምንታይሲ ኣነ ምምርማራት ስለ ዝፈቱ እየ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣነ ብጣዕሚ እየ ዝማራመርን፣ ሓዲሽ ነገር ንክረክብ እዩ ድልየተይ።“
እንታይ እዩ እቲ ጽቡቕ ዝኸይድ ኣብቲ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ?
„ኣብዚ ስልጠናዚ ኩሉ ጽቡቕ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።“
ንስኺ ኣብ ምንታይከ ጸገማት ኣሎኪ?
„ኣብ መጀመርያ እዚ ናይ ቋንቋ ጀርመን ከቢዱኒ ኣዩ ነይሩ። ብዙሕ ናይ መሰረታዊ ኣፍልጦ ነይሩ፣ ማለት ኣነ ደጊመ ከስዕቦ ተገዲደ ዝነበርኩ።“

ብድሕረኡ ከማይ እዩ ዝቕጽል?

እንታይ እዩ ናትኪ ናይ ንመጻኢ ትምኒትኪ?
„ኣነ ዝትምነዮ፣ ማለት ኣነ ነቲ ናታይ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ብጽቡቕ ነጥብታት ክዕወተሉን፣ ሓደ ጽቡቕ ዝኾነ ስራሕ ክረክብን፣ ከምኡድማ ምስ ስድራቤተይ ብሰላም ክነብር ክኽእል እዩ።“
 

እንታይ ኣዮም ናትካ ምኽርታት ንመናእሰይ ተሰዲዶም ዝመጹን፣ እቶም ንርእሶም ሓደ ድርባዊ ናይ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ዝግደሱ ዘበሉ?

„ወላኳ ሓደ ሓደ ግዜ ኣሸጋሪ እንተኾነ፣ ቀጽልን ከምኡድማ ነቲ ናይ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ዕላማ ኣጽኒዕካ ሕዞ ኢኻ!“