ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ወሰዲ ናቶም ታሪኽ የዕልሉ።

ኣነ Siar እየ ዝበሃል, ወዲ 22 ዓመት እየ፣ ከምኡውን ካብ Afghanistan እየ መጺኤ።

ኣብኡ ኣነ 10ይ ክፍሊ ናይ ሓደ ሰከንደርይ ቤት ትምህርቲ እየ ተማሂረ። ካብ 2014 ጀሚረ ድማ ኣብ ጀርመን እየ ዝነብር ዘለኹ። ሕጂ ክኣ ኣነ ሓደ ሞያዊ-ክእለት ትምህርትን ብናይ ኢንዳስትሪ-መካኒክነት ኣብ ናይ Siemens ይወስድ ኣሎኹን፣ ከምኡውን ኣነ ሕጂ ኣብ ናይ ሳልሳይ ዓመት ናይ ሞያዊ-ስልጠናይ እየ ዘለኹ።
ኣነ ኩዕሶ ምጽዋት ደስ ኢዩ ዝብለኒ። ከምኡውን ናይ ኣካላት ምንቅስቓስን፣ ምሕንባስን እንተኾነ እውን ጽቡቕ ኣየ ዝረኽቦ።

ኣብዛ እዋን እዚኣ ኣብ ናይ ሞያዊ-መንገድኻ ከመይ ትረኽቦ?

ኣበየናይ ክርንጫፍ ትሰርሕ ኣሎኻ ኣብዚግዜ እዚ? እንታይ እዮምከ ኣብኡ እቲ ንስኻ ትሰርርሖም?
„ኣነ ኣብቲ ናይ ምግጥጣም ናይ ዓበይቲ ሞቶራትን ከምኡድማ ዓበቲ-ባደላታት ዝስረሓሉን ነይረ እየ፣ ኣብቲ ኣነ ዘገጣጠምክሉን፣ ከምኡውን ኣብቲ ናይ መንደዲ ነገር ዝስራሓሉን። ኣብኡ ኣነ የጻሪ እየ ነይረ፣ ከመይሉ እቲ ዘይቲን ከምኡድማ እቲ ንፋስን ፈንቲዙ ክሃል ዝግበር ዝነበረ።“
ንሓንቲ ግዜ ዝኣክልከ ተጣዒስካ ትፈልጥዶ፣ ነቲ ናትካ ንሞያዊ-ክእለት ስልጠና ክትጅምር ብምግባርካ?
„ኣይፋልን፣ ጨሪሽካ ዘይሕሰብ እዩ።“

ናትካ ሞያዊ-ክእለት ትምህርትን።

እንታይ እዩ ኣብዚ ናትካ ሞያዊ-ክእለት ትምህርትን ፍልይ ዝበለ ዘሕጉሰካ?
„እቲ ምስ ናይ ስራሕ ብጾትካ ትገብሮ ኣከያዳን፣ ምእንቲ ጀርመን ቋንቋ ጽቡቕ ክትምሃርን፣ ከምኡውን ልክዕዩ ሓደ ንመጻኢ ዕድልካ ጠመተ ክህልወካን፣ ስልዚ ንዝመጽእ ሓደ ስራሕ ንኽትረክብን ክትክእል ማለት እዩውን። ኣብቲ ናይ ሞያዊ-ክእለት ትምህርትን ብዝበለጸ ደስ ዝብለኒ እቲ ናይ ስፖርት ትምህርቲን፣ ግንከ እቲ ናይ ተክኒካዊ-ክኢላነት ትምህርትን ኣንተኾነ እውን፣ ስለምንታይሲ ሓደ ሰብ ብዙሕ ይመሃርን- ወላውን ናይ ትክኒካዊ-ኣወዳድቓ ቃላት እዮም።“
እንታይ እዩ ነይሩ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝበለጸ ዝተመኮርካዮ?
„ብርግጽ እቲ ዝተግብረ ትምህርቲ ናይቶም ናይ ሞያዊ-ብጻይነት ማሕበር እዩ። ንሕና ሓደ ሰሙን ዝኣክል ኣብ Linowsee ነርና፣ ኣብኡ ድማ ኣነ ነቶም ናይ ስራሕ-ብጾተይ ብዝበለጸ ክላለዮም ክኢለን፣ ከምኡውን ናይ ግድንዩ ብዙሕ ብዛዕባ ናይ ኣብ ስራሕ ጥንቃቀ ክመሓር እውን ክኢለ።“
ኣብ ምንታይ እዩ ነይሮም እቶም ዝዓበዩ ጸገማትካ?
„ኣብ መጀመርያ እቲ ቋንቋ ጀርመን፣ ማለት እቶም ናይ መጀመርያ ገለ ኣዋርሕ።“
ከመይ ጌርካ ኢኻ ኣብቲ ናይ ሞያዊ-ስልጠናኻ በቲ ናይ ጀርመን ቋንቋ ክትሰማማዕ ትኽእል?
„ገለ ተክኒካዊ-ቃላት ከበዲ እዮም ንኽትርደኦም፣ እንተዘይኮይኑ ግን ብጣዕሚ ጽቡቕ።“
እቲ ቀዳማይ ፈተናኻ ከመይ እዩ ነይሩ?
„ዝሓሸ ክኸውን ነይርዎ፣ ግንከ ኣነ ተዓዊተ እየ። ኣነ በቶም ናይ ትክንካዊ-ቃላትን ቋንቋ ጀርመንን ብሃፈሽኡ ጸገማት ነይሩኒ እዩ። ኣብቲ ናይ ጽሑፋት ሕቶታት መልሲ ምሃብ ይበልጽ ነይረ፣ ካብቶም ናይ ብዙሓት-ዝምረጾም-ሕቶታት። እዚኦም ኣብቲ ናይ ክፍሊ ክመሃር ከሎኹ ኣብቲ ቅድም ውሑዳት ኣዮም ነይሮም፣ ስለዚ ኣነ ነዚ ነገር ውሑድ እየ ተሞኪረዮ።“

ናይ ስራሕ ሃዋህው

ንስኻ ክግበረልካ/ተገይሩልካ ድዩ ኣብቲ ናይ ሞያዊ-ክእለት ትምህርት ፍልይ ዝበለ ሓገዝ? እንተድኣ እወ ክይኑ፣ ካብ መን?
„ብግሊ ኣነ ካብቶም ናይ ማሕበራዊ ኣማኸርቲ ኣብ Siemens እየ ደገፍ ረኺበን፣ ስለዝኾነ ድማ ብዙሕ እየ ዘመስግን። ንሳቶም ንዓያብቲ ናይ ገዛ ምድላይ ክህግዙኒ ፈቲኖም እዮም። ወላእውን ናተይ ናይ ክፍሊ መምህረይ ኩሉ ግዜ ይሓተኒ ነይሩ፣ ኣነ ንኹሉ ይርደኣኒ ነይሩ እንተኮይኑን፣ ከምኡድማ ንዓይ ጌና ክልተ ግዜ እውን የብርሃለይ ነይሩ። ንሓንቲ ብዛዕባ ናይ ምምሃር ተብርህ ናይ Siemens ክሓታ ይኽእል ነይረን፣ ንሳውን ኩሉ ግዜ ትሕግዘኒ ነይራ፣ እንተድኣ ኣነ ጸገማት ነይሩኒ።“
ኣብቲ ናትካ ኣከባቢ ሃዋሁው ጽቡቕዶ ይስመዓካ?
„እወ ናይ ግድን፣ ኣነ ሓደ ናይ ሞያዊ-ክእለት ትምህርትን ቦታ ኣሎኒ። ኣነ ዝትምነዮ ብድሕረኡ ጥራይ ሓደ ነባሪ ስራሕ ክረክብ እየ።“

ብድሕረኡ ከማይ እዩ ዝቕጽል? 

እንታይ እዩ ንስኻ ትትምነዮ ጌና ቅድሚቲ ናትካ ናይ ናይ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ?
„ንምጀመርያ፣ ማለት ኣነ ነቲ ናተይ ናይ መዕጸዊ-መርመራ ክዕወተሉን፣ ብድሒሩ ድማ ሓደ ነባሪ ናይ ስራሕ ምርካብ ኣብ Siemens።“
እንታይ እዩ ንስኻ ትትምነዮ ጌና ብዛዕባ ምንባርካ?
„ኣነ ዝትምነዮ፣ ማለት ኣነ ብጥዕና ክነብርን ከምኡድማ ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ባዕለይ ምንባይ ክኽእልን እዩ። ሰብ ናብ ጀርመን ዝመጽእ፣ ንዝበዝሐ ምትእምማን ንኽህልዎን፣ እቲ መሰረት ንዕኡ ድማ ሓደ ጽቡቕ ስራሕ ምህላው እዩ።“

ምስ Siar ቅድሚ ገለ ቁሩብ ግዜ ንሓንቲ እዋን ተዛራሪብና ነርና ኢና። ክትፈልጥ ትደሊ ዲኻ ከመይ ኢሉ ናቱ ታሪኽ ከም ዝጀመረ?

እሞ ኣብዚ ጠውቕ።
ኣብ ጀርመን ፍሉይ ዝኾነ ነገር እንታይ እዩ?
„ኣብ ጀርመን ምስ ናብራ ናይ ዝመጻክሉ ዓደይ ኣረኣኢካ ብዙሕ ፍልልይ ኣሎ። ንኣብነት፡ ስርዓተ ትምህርቲ፣ ብዙሕ ደገፋት ከምኡ‘ኸኣ ስራሕ። ጀርመን ዓቢ ብሩህ ተስፋ ዘለዎ ናይ መጻኢ ሂወት ዕድል ከፊታትለይ ኣላ።“

እንታይ ዓይነት ብድሆታት የጓንፉካ ነይሮም ብከመይ መንገዲ‘ኸ እዚ ጸገማት ፈቲሕካዮ?
„ኣብ ጀርመን ብዙሕ ስለ ዘይተቀመጥኩ፡ ናይ ቋንቋ ጸገማት ጸገማት ነይሩኒ። ቋንቋ ጀርመን ክመሃሮ ከኣ ናይ ግድን ኮይኑኒ። ብዙሕ ልምምድ ከምኡ‘ኸኣ ዓቅሊ ስለ ዝገበርኩ ከኣ ክዕወት ክኢለ።“

ንመጻኢ ግዜ እንታይ ትምኒት ኣለካ?
„ኣብ ናተይ መጻኢ ግዜ፡ ሓደ ናይ ሞያ ስልጠና ብጽቡቅ ውጽኢት ክዛዝም እዩ። ድሕሪኡ ዝሓሸ ስራሕ ክረክብ ዓቢ ዕድል ኣለኒ።“

ከመይ ጌርካ እዚ መሰረታዊ ናይ ብቅዓት ትምህርቲ ክትረኽቦ ክእሊልካ?
„ብመንገዲ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ኣቢለ ኣብዚ ሕጂ ዝገብረሉ ዘለኹ ናይ ስራሕ ልምምድ ቦታ ኣትየ።“

እንታይ ኣሎ ደስ ኢሉካ ትገብሮ ነገር?
„ንዓይ ኣብ መሰረታዊ ናይ ብቅዓት ትምህርቲ ዝግበር ኣገባብ ኣመሃህራ ደስ እዩ ዝብለኒ።“

ኣብ ቤት-ትምህርትን ናይ ዕዮ ትካልን፡ መንን ብከመይ ኣገባብ ደገፎም የበርክቱልካ?
„ቤት-ትምህርቲ ቋንቋ፡ ጀርመን ንኽመሃር ሓገዝ ትገብረለይ።“

ኣብዚ እዋን እንታይ ትገብር ኣለኻ?
„ሞያዊ ስልጠና ናይ ኢንዱስትሪ መካኒክ (Industriemechaniker) ጀሚረ ኣለኹ።“

ስለምንታይ ኢኻ ጽምዳዊ ስርዓት ትምህርቲ ሞያዊ ስልጠና ክትገብር ወሲንካ?
„ሓደ ሞያዊ ስልጠና ምውሳድ፡ ንዓይ ጠቃሚ ዝኾነ ተቀርጾ መጻኢ ሂወተይ እዩ ዝኸፍተለይ።በዚ መንገዲ ኣብ መጻኢ ብመዳይ ሞያ ዕዉት ክኸውን ይክእል።“

ውሳነ ንምግባር መን ወይ እንታይ ተሓጋጊዙካ?
„ውሳነ ኣብ ምግባር የዕሩኽተይ ተሓጋጊዞሙኒ።“
 
 

እሞ ካብዚ ክሳብ ሕጂ ዝገበርካዮ ተሞክሮታትሲ፣ ንተሰዲዶም ዝመጹ ዝኸውን ማዕዳ ኣሎካዶ?

„ምምሃር፣ ምምሃር እንደገናውን ምምሃር። እቲ ዋና ጉዳይ፣ ማለት ንስኻ ብጻዕቂ ቋንቋ ጀርመን ምምሃርን፣ ከምኡድማ ሓደ ናይ ሞያዊ-ክእለት ትምህርትን ወይድማ ዩኒቨርሲቲ ኣቲኻ ምምሃር ንርእስኻ ክትረክብ ምግባር እዩ። ንስኻ ብዝተኻእለ መጠን ምስቶም ጀርመናውያን ክትዋሳእ ግበር።"