ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ወሰዲ ናቶም ታሪኽ የዕልሉ።
ኣነ Reyhane ይብሃል፣ ዕድመይ 26 ዓመት ኣዩን፣ ካብ Iran እየ እውን መጺኤ።
ኣብኡ ኣብ ትምህርቲ እየ ነይረን፣ ማትሪክ ክኣ ገይረ እየ። ኣነ ከም ናይ ምርጫይ ሳብጀክት ንደቂ ሰባት-ምስኣል እዩ ነይሩ። ድሕርቲ ማትሪክ ምስ ገበርኩ ድማ ፣ ኣነ ከም ሰኣሊት ኣብ ሓደ ዱኳን ይሰርሕ ነይረ።
2013 እየ ኣነ ናብ ጀርመን ዝመጻእኩ። ናተይ ደስ ዝብሉኒ ነገራት ምስኣልን፣ ምጋሽን ከምኡድማ ምሕምባስን እዩ ደስ ዝብለኒ።

እንታይ እዩ ኣብ ጀርመን ፍልይ ዝበለ?
„ብሓፈሽኡ እቲ ባህልን ከምኡድማ እቲ ኣገባብ ሂወትን - ከም ኡውን እቲ ኩነታት ኣየርን!“
ኣየኖት ዓይነት ጸገማት ነይሩኪ፣ ንስኺኸ ከመይ ጌርኪ እኺ ፈቲሕክዮ?
„እቲ ቋንቋ ጀርመን ብጣዕሚ ከቢድ እዩ፣ ካብዚ ሓሊፍካ እውን ከቢድ እዩ ንበይንኻ - ብዘይ ስድራቤትካ - ኣብ ጀርመን ንኽትነብርን፣ እሞኽኣ ምስቶም ሰባት ክትረዳዳእን፣ እቶም ኣብ ቅድሚቶም ስደተኛታት ሰባት ክንድዚ ክፉታት ዘይኮኑን እዮም።“
እንታይ ኢና ሕጂ ዝገብርና፣ እሞከኸ ስለምንታይ እዩ ንሱ ጽቡቕ ንዓና?
ኣብ ሓደ ናይ ምድላው-ኮርስ ነቲ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ንስኺኸ ተኻፊልኪዶ?
"ኣነ ሓደ ንምጅማር-ምብቃዕ (EQ) ኣብ Siemens ገይረ እየ።
ምኽሪ:
እንታይ እዩ ሓደ ናይ ንምጅማር-ምብቃዕ? ብድሕረኡ ሓደ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ብቀሊሉ እዩ ዝከኣል። ኣነ ከብርሀልኩም እየሞ:
ንስኺ ንእንተወሓደ ሹዱስተ ወርሒ ዝኣክል ኣብ ሓደ ትካል ትርከብን፣ ከምኡውን ምያዊ-ክእለታት ኢኺ ትላለዪ። ኣነ ከም ናይ መካይን መካኒክን፣ናይ ኢንዱስትሪ መስርሕታት-መካኒክን ከምኡድማ ናይ አለክትሮኒክ-ክኢላን ኮይነ ክሰርሕ ክኢለን፣ ከምኡውን ብዙሕ ቋንቋ ጀርመን ተማሂረን። ብድሕረኡ ክፈልጥ ክኢለ፣ እንታይ እየ ኣነ ጽቡቕ ዝኽእልን፣ እንታይከ እዩ ንዓይ ደስ ዝብለንን። ብድህረኡ ድማ ኣነ ንናተይ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ከም ኢንዱስትሪ መስርሕታት-መካኒክን ጀሚረ።
ንዓኺ ኣውን ጽቡቕ ክኸደልኪ ይኽእል እዩ። ንምጅማር-ምብቃዕ ኣብ ኩለን ኣተን ቅርንጫፋት ናይተን ብዙሓት ትካላት ኣሎ። ምስቲ ናይ ንሞያዊ-ክእለት ምምኻር ናትኪ ኤጀንሲ ንስራሕ ተዘራረቢ ኢኺ።
ከመይ ጌርኪ ኢኺ ነዚ በጺሕክዮ?
„ሓደ ብጻይ፣ እቲ ሓደ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ኣብ ክፍሊ ናይ አልክትሮኒክ ኣብ Siemens ዝሰርሕ እዩ፣ ንዓይ ናይዚ ተኽእሎ ከም ዘሎ ዝሓበረኒ። “
እንታይከ እዩ ንዓኺ ብዛዕብኡ ታሕጓስ ዝገበረልኪ?
„እቲ ተግባራውን ኢደጥበባውን ስራሕ።“
መንዩ እዩ ሓጊዝኩ ኣብዚ ናትኪ መንገዲ ናብ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ምግባር?
„እተም ኩሎም ኣሰልጠንቲ ኣብቲ ትካል ይኹኑ፣ ወላ እውን ከምኡ እቶም ኩሎም መማህራን ኣብቲ ናይ ሞያዊ ቤት ትምህርቲ እዮም ንዓይ ደጊፎምንን ከምኡድማ ንዓይ ኩሉ ኣብሪሆምለይን፣ ኣነ ንገለ ዘይተርደኤኒ ነገርን። ጸገም ኣብ ናይ ቋንቋ ዝነበረኒ ግዜ ድማ፣ ብቐስታ ከም ዝበርሀለይ ብምግባርን፣ ከምኡውን ብኻልእ ቃላት ብምብግላጽን ነበረ።“
ስለምንታይ ኢና ንሕና ንሓደ ድርባዊ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ክንወስድ ወሲንና?
እንታይ ዓይነት ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ትኣሎኺ ሕጂ?
„ኣነ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ናይ ኢንዱስትርይ-መካኒክ ኣብ Siemens Berlin ኣገብር ኣሎኹ።“
ስለምንታይ ኢኺ ንስኺ ንሓደ ድርባዊ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ክትወስዲ ወሲንኪ?
„ኣነ ኩሉ ግዜ ተግባራዊ ስራሕ እየ ክሰርሕ ዝደሊ ነይረ፣ ካብኡ ዝተበገሰ ድማ ንዓይ ነዚ ሞያዊ ክእለት ክወስድ እየ ወሲነ።“
እንታይ እዩ እቲ ጽቡቕ ዝኸይድ ኣብቲ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ?
„ክሳብ ሕጂ ኩሉ ጽቡቕ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።“
ንስኺ ኣብ ምንታይከ ጸገማት ኣሎኪ?
„እቲ ቋንቋ ጌና ብቐጻሊ ከቢድ ኣዩ ዘሎን፣ ከምኡውን እቶም ተክኒካውያን ቃላት።“
ብድሕረኡ ከማይ እዩ ዝቕጽል?
እንታይ እዩ ናትኪ ናይ ንመጻኢ ትምኒትኪ?
„ኣነ ዝትምነዮ፣ ንናተይ ቋንቋ ክእለተይ ከምሓይሽ ክኽእልሞ፣ ነቲ ናይ ምያዊ-ትምህርተይ ብናይ ጽቡቅ ዲፕሎም ከውድኦ ምእንቲ።
ብድህረኡ ክኣ ዝትምነዮ ንርእሰይ ሓደ ቀዋሚ ስራሕን፣ ሓደ ርጉእ ዝኾነ ሂወትን ከምኡውን ብዙሕ ክገይሽን እዩ።“


እንታይ ኣዮም ናትካ ምኽርታት ንመናእሰይ ተሰዲዶም ዝመጹን፣ እቶም ንርእሶም ሓደ ድርባዊ ናይ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ዝግደሱ ዝኾኑ?
„ክትፈርሑ የብልኩምን ካብቲ ናይ ቋንቋ ክህልወኩም፣ ንስካትኩም ኣብ ዝኮነ ግዜ ሓገዝ ክትረኽቡ ኢኹም። ጻዕሪ ክተርእዩ ኣለኩም፣ ነቲ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ክትዕወትሉ ምእንቲ።
እንተድኣ ንስኻ ኢደጥበባዊን ተግባራውን ስራሕ ትግደስ ኰንካ፣ ዕዉት ዝኾነ ኣብ ናይ ኢደጥበባዊን-ተግባራውን ክፍልታት ክትሰርሕ ክትክእል ኢኻ።
ደቀነስትዮ እንተኾናውን ብናይ ማዕረ መሰል ዘለዎ ኣብ ኢደጥበብ ክሰርሓ ይኽእላ እየን። ንስኺ ጓል ኣንስተይቲ ክትኮኒ ትኽእሊ ኢኺ ከምኡውን መክዐኛ ኰንኪ ክኣ፣ ይኹንምበር ኣብ ናይ ኢደጥበባዊን-ተክኒካውን ክትሰርሒ ትኽእሊ ኢኺ።
ወላሓደ „ሰብኣያዊ“ ወይድማ „ኣንስታዊ“ ስራሕ የልቦን። ንስኺ ከም ጓል ኣንስተይቲ ፍርሒ ክህልወኪ የብሉን ንድልየትኪ ንኽተዕውቲ።“