ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ወሰዲ ናቶም ታሪኽ የዕልሉ።

ኣነ Henok እየ ዝበሃል፣ ወዲ 29 ዓመት እየ፣ ከምኡውን ካብ Eritrea እየ መጺኤ።.

ኣብኡ ኣነ 11 ዓመት እየ ንቤት ትምህርቲ ከይደን፣ ብድሕረኡ ክኣ ትሽዓተ ዓመት ከም ለሓሚ እየውን ሰሪሐ። ካብ 2014 ኣትሒዘ ድማ ኣብ ጀርመን እየ ዝነብር ዘለኹ። ኣብዚ ኣነ ሓደ ናይ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ናይ ኢንዱስትሪ-መካኒክ ክኢላነት ኣብ Siemens ዝገብር ዘሎኹን፣ ከምኡውን ኣብ ናይ 3ይ ዓመት ናይ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ እየ ዝርከብ።

 

ናትካ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ

እንታይ እዩ ኣብዚ ናትካ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ፍልይ ዝበለ ዘሕጉሰካ?
„እቲ ናይ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ብጣዕሚ እዩ ደስ ዝብለኒ፣ ስለምንታይሲ ብዙሕ ተግባራዊ ልልምድ ስለ ዝግበርን እንከሎ፣ ይኹን እምበር ናይ ስነ-ሓሳባዊ ፍልጠት ስለ ዘድሊ። “
እንታይ እዩ ነይሩ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝበለጸ ዝተመኮርካዮ?
„እቲ ናተይ ዝጸበቐ ተሞክሮይ ዝነበረ ክሳብ ሕጂ፣ ኣብቲ ናይ ሞያዊ-ክእለት ምርመራ ክፋል 1 ብምዕዋተይ እዩ።“
ኣብ ምንታይ እዩ ነይሮም እቶም ዝዓበዩ ጸገማትካ?
„ኣብ ናተይ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ ኣነ ወላሓንቲ ጸገማት በቲ ናይ ቋንቋ ጀርመን ኣይነበረንን።“
ከመይ ጌርካ ኢኻ ኣብቲ ናይ ሞያዊ-ስልጠናኻ በቲ ናይ ጀርመን ቋንቋ ክትሰማማዕ ትኽእል?
„ኣብ ናተይ ሞያዊ-ክእለት ትምህርቲ በቲ ናይ ቋንቋ ጀርመን ጽቡቕ እየ ዝኸይድ ነይረ። ኣነ ምስ ብዙሕ መሳርሕተይ ጀርመናውያን ብጾተይ ስለ ዝዛረብ ብዙሕ እየ ክኣ ክፈልጥ ክኢለ።“
እቲ ቀዳማይ ፈተናኻ ከመይ እዩ ነይሩ?
„እቲ ናይ ሞያዊ-ክእለት ምርመራይ ክፋል 1 ጽቡቕ እዩ ነይሩ። እቲ ናይ ስነ-ሓሳባዊ መርመራ ግን ቁሩብ ክብድ ዝበለ እዩ ንርይሩ፣ ከምቲ ኩሉ ግዜ- ብሰንክቲ ቋንቋ። ግንከ ኩሉ ጽቡቕ እዩ ነይሩን ስለዝኾነ ኣነ እውን ሕጉስ እየ፣ ማለት ኣነ ነቲ ናተይ ናይ ሞያዊ-ክእለት ምርመራ ክፋል 1 ብምዕዋተይ እዩ።“

ብድሕረኡ ከማይ እዩ ዝቕጽል? 

እንታይ እዩ ንስኻ ትትምነዮ ጌና ቅድሚቲ ናትካ ናይ ሞያዊ-ክእለት ስልጠና?
„ኣነ ንዓ ዝትምነዮ፣ ማለት ኣነ ንቐጻሊ መዓልታዊ ገለ ሓድሽ ነገር ንኽፈልጥ እየ።“
እንታይ እዩ ንስኻ ትትምነዮ ጌና ብዛዕባ ምንባርካ?
„ኣነ ንዓይ ዝትምነዮ ሓደ ሕጉስ ሂወትን ከምኡድማ ሓደ ጽቡቕ ዝኾነ ናይ ሞያዊ-ክእለት ትምህርተይ ምዕዋተይ እዩ።“

ምስ Henok ቅድሚ ገለ ቁሩብ ግዜ ንሓንቲ እዋን ተዛራሪብና ነርና ኢና። ክትፈልጥ ትደሊ ዲኻ ከመይ ኢሉ ናቱ ታሪኽ ከም ዝጀመረ?

እሞ ኣብዚ ጠውቕ።
ኣብ ጀርመን ፍሉይ ዝኾነ ነገር እንታይ እዩ?
„ኣነ ኣብ ጀርመን ትምህርትን ተክኖሎጅን ዝተፈለየ ኮይኑ ይረክቦ።“

እንታይ ዓይነት ብድሆታት የጓንፉካ ነይሮም ብከመይ መንገዲ‘ኸ እዚ ጸገማት ፈቲሕካዮ?
„ንዓይ ቋንቋ ጀርመን ይኸብደኒ እዩ።“

ንመጻኢ ግዜ እንታይ ትምኒት ኣለካ?
„ንመጻኢ ግዜ ሕጉስ ዝኾነ ሂወት፣ ስድራ ክምስርት፣ ብዙሓት ቆልዑት ክህልዉኒ ከምኡ‘ኸኣ ኣብ ጀርመን ክነብር ክኽእል ይምነ።“

ከመይ ጌርካ እዚ መሰረታዊ ናይ ብቅዓት ትምህርቲ ክትረኽቦ ክእሊልካ?
„ወኪል ቤት-ጽሕፈት ጉዳይ ዕዮ፡ ብዛዕባ ትካል ሲመንስ „Siemens“ ሓበሬታ ሂቡኒ።“

እንታይ ኣሎ ደስ ኢሉካ ትገብሮ ነገር?
„ዕዮ ኤለክትሮኒክን መካኒክን ይፈትው እየ።“

ኣብ ቤት-ትምህርትን ናይ ዕዮ ትካልን፡ መንን ብከመይ ኣገባብ ደገፎም የበርክቱልካ?
„ወሃብቲ ሞያዊ ስልጠናን መምህራንን ሓገዝ ይገብሩለይ። ናይ ውሕስነት ሳእኒ፣ ናይ ስራሕ ክዳን ከምኡ‘ኸኣ መጻሕፍቲ ተዋሂቡኒ።“

ኣብዚ እዋን እንታይ ትገብር ኣለኻ?
„ሞያዊ ስልጠና ናይ ኢንዱስትሪ መካኒክ (Industriemechaniker) ይገብር ኣለኹ።“

ስለምንታይ ኢኻ ጽምዳዊ ስርዓት ትምህርቲ ሞያዊ ስልጠና ክትገብር ወሲንካ?
„ኣብ ቴክኒክ ተገዳስነት ስለ ዘለኒ።“

ውሳነ ንምግባር መን ወይ እንታይ ተሓጋጊዙካ?
„በዓልቲ-ቤተይን፡ ጀርመናውያን የዕሩኽተይን።“
 

እሞ ካብዚ ክሳብ ሕጂ ዝገበርካዮ ተሞክሮታትሲ፣ ንተሰዲዶም ዝመጹ ዝኸውን ማዕዳ ኣሎካዶ?

„ኣነ ምስ ብዙሕ መሳርሕተይ ጀርመናውያን ብጾተይ ስለ ዝዛረብ ብዙሕ እየ ክኣ ክፈልጥ ክኢለ።“