ድርባዊ-ናይ ሞያዊ ተኽእሎ-ስልጠና - እንታይ እዩ እዚ?
ንሕና ብዛኦባቲ ሞያዊ-ስልጠና ብዙህ ግዜ ተዛራሪብና ኢና። እንታይ እዩኸ ንምዃኑ? ኣነ ኣውን ንዑኡ ኣይፈጦን ኣየ ነይረን፣ ኣነ ኣብቲ ናብ ጀርመን ዝመጸእኩሉ ግዜ።
ንስኻ ሓደ ሞያዊ-ተኽእሎ ኢኻ ትመሃር። ካብ ፈለማ ጀሚሮም ክለሳ-ሓሳብን ተግባርን ዝተጻመዱ ኣዮም። ስለዝኮነ ክኣ ኣዩ ንዕኡ ብድርባዊ- ናይ ሞያዊ-ተኽእሎ ስልጠና ዝበሃል።
ኣብ መጨረሻ ንስኻ ሓደ ፈተና ኣብ ክለስ-ሓሳብን ተግባርን ኢኻ ትገብር። እንተድኣ ንኽሊቲኦም ንስኻ ወጺእካዮም፣ ንስኻ ተዓዊትካ ስለ ዝኾንካ ከም ክኢላ-ሰብኣይ ወይድማ ክኢላ-ሰበይቲ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ብእኡ ጌርካንስኻ ብቐሊሉ ሓደ ጽቡቅ ዝኽፈል ስራሕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
መዓስ እዩ ንዓይ ሓደ ድርባዊ ናይ ሞያዊ-ስልጠና ዘዋጽኤኒ?
- ኣነ ጽቡቕ ስልጠና ዝወሰድኩ ክኸውን ኣየ ዝደሊ።
- ኣነ ኣብቲ ናተይ ናይ ስልጠና ዝወስደሉ ግዜ ገንዘብ ከእቱ ይደሊ ኣየ። ብድሕርቲ ዓወት ዝመልኦ ስልጠና ምውሳድ፣ ጽቡቕ ደሞዝ ክወስድ እየ።
- ኣነ ነቲ ናይ ብቐጥታ ምጅማር ናብ ሓደ ተሞክሮ ምውሳድ እየ ዝደሊ። ኣነ ኣብቲ ስልጠና ዝወስደሉ ግዜ ፣ ኣብ ሓደ ትካል ክሰርሕ እየ ዝደሊ።
- ኣነ ነቲ ናተይ ፍልጠትን ክእለትን ካብቲ ቤት ትምህርቲ ሽዑ ድማ ኣብ ተግባር ከውዕሎ ኣየ ዝደሊ።
- ኣነ ኣብ ሓጺር ዝኾነ ግዜ ብጽቡቕ ዲፕሎም እየ ወዲኤዮ። በዚ ዘሎኒ ዲፕሎም፣ ኣነ ጌና ንዓይ ተወሰኺ ክመሃር ይኽእል እየ። ብእኡ ገይረ ድማ ኣና ኣብቲ ትካል ንቐጻሊ ክምዕብል ይኽእል እየ።
- ኣነውን ገለ ኣዋን ጽኒሐ ናይ ዩኒቨርሲትይ ትምህርቲ ክጅምር ይኽእል እየ።
ስለምንታይ እዩ እዚ ድርባዊ ናይ ሞያዊ-ካለት ስልጠና ኣብ ጀርመን ክንድዚ ምሩጽ ዝኽነሉ?
- ዳርጋ 55% ኩልሎም መንእሰያት ሓደ ናይ ድርባዊ ናይ ሞያዊ-ክእለት ስልጠና እዮም ዝጅምሩ።
- እቲ ስልጠና ብናይ ፋይናንስ ዝምልከት ኣገዳሲ እዩ - ንስኻ ሓደ ጽቡቕ ደሞዝ ኢኻ ትኽፈል። ብናይ ኩሉቲ ብሙሉኡ ናይ ስራሕ ሂወት፣ ሓደ ሰብ ናይ ሞያዊ-ክእለት ስልጠና ዘለዎ ርኡይ ዝኮነ ደሞዝ ዝያዳ ካብቲ ሓደ ናይ ሞያዊ-ካለት ስልጠና ዘይብሉ ሰብ።
- ንስኻ ብእኡ ጌርካ ብምዕባሌ ስራሕ ኣብ ትካል ብትምህርቲ ዝሰልጠኑ ክኢላታት ስለ ዝደልዩ ንላዕሊ ክትድይብ ትኽእል ኢኻ። ናይ ስራሕ መጻኢ ዕድላትካ ጽቡቕ እዩ።
- ንስኻውን ናይ ሓደ ናይ ኢደጥበብ ስራሕ-ትካል ወናኒ ንኽትከውን ተኽእሎታት ኣሎካ።
- ንስኻ ብዙሓት ተኽእሎታት ኣሎካ። ሽዱሽተ ዓበይቲ ናይ ስልጠና-ክፍልታት ምስ ዳርጋ 330 ድርባዊ ናይ ሞያዊ-ክእለት መሰልጠኒታት ትምህርቲ ዘለወን ኣለዋ።
- ኢንዳስሪ
- ንግድ
- ኢደ-ጥበብ
- ቤት ጽሕፈትን ምምሕዳርን
- ስነ-ጥዕና
- ሕርሻ መሬት
ከመይ እዩ ዝግበር በቲ ናይ ድርባዊ ሞያዊ-ክእለት ስልጠና?
- ንስኻ ንርእስኻ ሓደ ናይ መሰልጠኒ-ቦታ ትደሊ።
- ንስኻ ሓደ ናይ መምሃሪካ-ውዕል ትኣቱ። ንስኻ ሓደ ናይ ንመምሃሪኻ ዝከውን ገንዘብ ትኽፈል።
- ንስኻ ኣብ ሓደ ትካል (ተሞክሮ) ከምኡድማ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ (ክለሳ-ሓሳብ) ክትመሃር ኢኻ።
- ንስኻ ነቲ ናትካ ናይ ሞያዊ ክእለት-ስልጠና ብሓደ ናይ ፈተነ ኢኻ ትውድኦ። ንስኻ ሓደ ብናይ ሃገር ተፈላጥነት ዝተገበረሉ ዲፕሎማ ክትቅበል ኢኻ። ብእኡ ጌርካ ድማ ንዓኻ ስራሓት ክትሃትት ትኽእል ኢኻ።
እንታይ እዩ ኣነ ጌና ብዛዕባ ናይ ድርባዊ ሞያዊ-ክእለት ስልጠና ክፈልጦ ዘሎኒ?
- እቲ ዝገዘፈ ክፋል ናይቲ ትወስዶ ስልጠና ንስኻ ኣብቲ ትካል እዩ። ንስካ ኣንተኾነ እውን ሓደ ናይ ሞያዊ ቤት ትምህርቲ ክትከይድ ኢኻ።
- እቲ ናይ ድርባዊ ሞያዊ-ክእለት ስልጠና እንተወሓደ ክልተ ዓመት፣ እንተበዝሐ ድማ 3 ½ ዓመት እዩ ዝወስድ።
- እቶም ዓለምቲ ጓሎም ሰብኣዮም ኣብቲ ትካል፣ ከምኡድማ እቶም መማህራን ኣብቲ ናይ ሞያዊ-ክእለት ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ስልጠና ክድግፉኻ እዮም። ኣዛርቦም ኢኻ፣ እንተድ ንስኻ ሕቶታት ኣሎካን፣ ወይድማ ነገራት ዘይተረኤድኡኻ ኯይኖም።
- ትካላት: ንስኻ ኣብቲ ትካል ዝግበር ተግባራዊ ስራሕ ምስኦም ክትሰርሕ ኢኻ።
- ሞያዊ-ክእለት ቤት ትምህርትታት: ንስኻ ነቲ ክለሳ-ሓሳብ ኣብቲ ናይ ሞያዊ-ቤት ትምህርቲ ምስ ተዓለምቲ ናይ ካልኦት ትካላት ኢኻ ትመሃር። እታ ሞያዊ-ቤት ትምህርቲ ናይ ግድን ኣይኮነን ኣብ ውሽጢ ከተማ ክትህሉ፣ ኣብቲ ወላ እታ ናትካ ናይ መሰልጠኒት ትካል ዘላቶ እንተኾነ እውን። ነቲ ትምህርቲ ምውሳድ ንስኻ ትከፍሎ ወላሓንቲ ገንዘብ የልቦን።