ውልቀ-ሰባት ኣብ ሓቂ ዝተመርኮሰ ታሪኾም የዘንትዉ።
ኣርባዕተ ኣጉባዝ ካብ ሃገራት ኤርትራ፣ ሶርያ፣ ኢራን ከምኡ‘ኸኣ ካብ ኣፍጋኒስታን ተሰዲዶም ድሕሪ ምምጽኦም ኣብ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ትካል Siemens AG ትምህርቲ ናይ ሞያዊ ስልጠና ክገብሩ ጀሚሮም። እዞም ኣርባዕተ ናይ ሞያ ስልጠና ምስ አሌክትሪክን ሓጺንን ዝተኣሳሰር ንክገብሩ ወሲኖም ኣለዉ።ብዘይካ እዚ ግን ካልእ ካብዚ ዝበዝሕ እውን ኣሎ። ኣስታት 330 በብዓይነቱ ትምህርቲ ሞያዊ ስልጠና፣ 17.000 ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ/ዩኒቨርሲቲ ክውሰድ ዝከኣል ዓይነት መጽናዕቲ፣ ከምኡ‘ኸኣ ኣስታት 350 ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዝወሃብ ዝኽእል ዓይነት ናይ ሞያ ስልጠና፡ ንምግባር ተኽእሎ ኣሎ። ሓደ ውሳነ ንኽትገብር ቀሊሊ ኣይኮነን።

SCROLL
1እዚኦም ንሕና ኢና!
ኣብዚ ዘምጽኣና ምጻና ጉዳይ ኣንታይ እዩ ንመጻኢ ግዜ ንምነዮ‘ከ እንታይ እዩ?

„ስመይ ሞይድ ይበሃል። ዕድመይ 30 ዓመት ኮይኑ ዝመጻእክሉ ሃገር ከኣ ኢራን እዩ።
ካብ 2014 ኣትሒዘ ኣብ ጀርመን ይነብር ኣለኹ። ኣብ ሃገረይ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ/ዩኒቨርሲትይ ናይ ኤሌክትሮተክኒሻን መጽናዕቲ ተማሂረ። ናይ ዝሮት መገሻ፣ ኩዕሶ-እግሪ ምጽዋት ደስ ይብለኒ፡ ኣብ ግዜ ዕረፍተይ ከኣ ቋንቋ ፔርዝያን ይምህር። ናብዚ ዘምጻኣኒ ጉዳይ፡ ኣብ ሃገረይ ብዙሕ ጸገማት ስለ ዘሎ እየ።“
ኣብ ጀርመን ፍሉይ ዝኾነ ነገር እንታይ እዩ?
እንታይ ዓይነት ብድሆታት የጓንፉካ ነይሮም ብከመይ መንገዲ‘ኸ እዚ ጸገማት ፈቲሕካዮ?
ንመጻኢ ግዜ እንታይ ትምኒት ኣለካ?

„ስመይ ዓብደል ራሕማን ይበሃል፡ ዕድመይ 20 ዓመት። ብ 2013 ዓመተ ምሕረት ናብ ጀርመን መጺኤ።
ኣብ ዓደይ ክሳብ 11 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ተማሂረ። ጽዑቕ ልምምድ ኣካላት ምግባር፣ ኩዕሶ-እግርን፡ ምሕንባስን ፍሉይ ተገዳስነት ኣለኒ። ኣብ ጀርመን ክነብር፣ ናይ ሞያ ስልጠና ክመሃርን ናይ ግድን ድሕሪኡ ከኣ ክሰርሕን ድልየት ኣለኒ።"
ኣብ ጀርመን ፍሉይ ዝኾነ ነገር እንታይ እዩ?
እንታይ ዓይነት ብድሆታት የጓንፉካ ነይሮም ብከመይ መንገዲ‘ኸ እዚ ጸገማት ፈቲሕካዮ?
ንመጻኢ ግዜ እንታይ ትምኒት ኣለካ?

„ስመይ ሲያር ይበሃል፡ ዕድመይ 19 ዓመት። ካብ ኣፍጋኒስታን መጺኤ፡ ካብ 2014 ዓመተ ምሕረት ኣትሒዘ ከኣ ኣብ ጀርመን ይነብር ኣለኹ።
ኣብ ዓደይ ትምህርቲ ይመሃር ኔረ። 10. ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ተማሂረ። ኩዕሶ-እግሪ ምጽዋት ደስ ይብለኒ። ጽዑቕ ልምምድ ኣካላት ምግባር ከምኡ‘ውን ምሕንባስ እውን ይፈቱ ኢየ። ሕጂ ኣብ ጀርመን ይነብር ኣለኹ፡ ኣብዚ ብሉጽ ናይ ሞያ ስልጠና ንክመሃርን ድሕሪኡ ኸኣ ክሰርሕን ስለ ዝደሊ፡ በዚ ምኽንያት ኣብዚ ክነብር ድልየት ኣለኒ።"
ኣብ ጀርመን ፍሉይ ዝኾነ ነገር እንታይ እዩ?
እንታይ ዓይነት ብድሆታት የጓንፉካ ነይሮም ብከመይ መንገዲ‘ኸ እዚ ጸገማት ፈቲሕካዮ?
ንመጻኢ ግዜ እንታይ ትምኒት ኣለካ?

„ስመይ ሄኖክ ይበሃል፡ ዕድመይ 28 ዓመት እዩ። ካብ ኤርትራ መጺኤ፡ ኣብ 2014 ዓመተ ምህረት ከኣ ናብ ጀርመን መጺኤ።
ኣብ ሃገረይ ክሳብ 11 ክፍሊ ደረጃ ትምህርቲ ተማሂረ። ቀደም ኣብ ሃገረይ ን 6 ዓመታት ዝኣክል ከም ኣልሓሚ ኮይነ ሰሪሐ። ክዕሶ መርበብ፣ ኵዕሶ ሰኪዔት፡ ሳሕቲ ከኣ ኩዕሶ-እግሪ ይጻወት፡ ምሕንባስ እውን ይፈቱ እየ። ብሉጽ ዝኾነ ሞያ ስልጠና ንክመሃር ከምኡ‘ኸኣ ጽቡቅ ደረጃ መዛዘሚ ትምህርቲ ክረክብ ስለ ዝደሊ፡ በዚ ምኽንያት ኣብዚ ኣብ ጀርመን ይነብር ኣለኩ። ኣብ መጻኢ እዋን ጽቡቅ ስራሕ ክረክብ ይክእል። ኣብ ጀርመን ይነብር ምህላወይ ሕጉስ እየ።“
ኣብ ጀርመን ፍሉይ ዝኾነ ነገር እንታይ እዩ?
እንታይ ዓይነት ብድሆታት የጓንፉካ ነይሮም ብከመይ መንገዲ‘ኸ እዚ ጸገማት ፈቲሕካዮ?
ንመጻኢ ግዜ እንታይ ትምኒት ኣለካ?
2ክሳብ ሕጂ እንታይ ጌርና ኣለና፡ እዚ‘ኸ ንዓና ስለምንታይ እዩ ጽቡቅ?
"ሓደ ናይ ሞያ ስልጠና ክመሃር ይደልይ ነይረ። እዚ ቀሊል ኣይነበረን። ወኪል ቤት-ጽሕፈት ጉዳይ ዕዮ፡ መሰረታዊ ናይ ብቅዓት ትምህርቲ ክረኽበሉ ዝኽእል መንገዲ ከፊቱለይ። እዚ ቅድሚ ሕጂ ይፈልጦ ኣይነበርኩን። እዚ ዕድል ከኣ ተጠቂመሉ፡ እቲ ሽዑ ዝገበርክዎ ቅኑዕ ውሳኔ ከም ዝነበረ ሎሚ ይፈልጥ።"


እንታይ እዩ መሰረታዊ ናይ ብቅዓት ትምህርቲ? ድሕሪ እዚ ናይ ሞያ ስልጠና ንምምሃር ፍኩስ ይብል። እምበኣር ሕጂ ከረዳኣኩም፡
- ንበል ንስኻ ኣብ ሓደ ትካል ብውሕዱ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጌርካ ኣለኻ፡ ምስ ገለ ናይ ሞያ ስራሕ ከኣ ክትላለይ ክኢልካ።
- ኣነ ኣብ ትካል ሲመንስ „Siemens“ ብዕለት 1. መጋቢት 2016 ክጅምር ዝከኣልክሉ መንገዲ ብኸምዚ እዩ ነይሩ። ከም ሜካትሮኒከር „Mechatroniker“፣ ናይ ኢንዱስትሪ መካኒክ „Industriemechaniker“፣ ናይ ኤሌትሮኒክ ክኢላ „Elektroniker“፣ ኮይነ ተወሃሂደ ይነጥፍ ነይረ፡ በዚ ምኽንያት ከኣ ብዙሕ ጀርመን ክመሃር ክኢለ።
- ብእኡ መሰረት እውን፡ እንታይ ዝበለጸ ናይ ክእለት ዝንባሌ ከም ዘለንን እንታይ ክገብር ከም ዝደልን ፈሊጠ። ብዕለት 1. መስከረም 2016 ናይ ኢንዱስትሪ መካኒክ „Industriemechaniker“ ሞያ ስልጠና ክመሃር ጀሚረ።
- ናትካ ጉዳይ እውን ብከምዚ መንገዲ ጽቡቅ ክሰልጠካ ይኽእል እዩ። መሰረታዊ ናይ ብቅዓት ትምህርቲ ዝወሃበሉ ኣብ ብዙሕ ጨንፈራት ናይ ትካላት ኣሎ። ብዛዕባ‘ዚ ምስ ኣማኻሪ ሞያ ናይ ቦታኻ ወኪል ቤት-ጽሕፋት ጉዳይ ዕዮ ተመያየጥ።
ብኸምዚ መንገዲ ክትካፈል ትኽእል
እንታይ ዓይነት ሞያ ክትመሃር ከም እትደሊ ትፈልጥ፡ ግን ከኣ ናይ ሞያ ስልጠና ትምህርቲ ትገብረሉ ቦታ ኣይረኸብካን ኣለኻ። ግዴታዊ መሰረታዊ ትምህርቲ ደረጃ ኣማሊእካን ሓደ ናይ ሞያ ስልጠና እንተ ዘይወዲእካን፡ ኣብዚ ንክትካፈል ተኽእሎ ኣሎ።
ብኸምዚ መንገዲ መሰረታዊ ናይ ብቅዓት ትምህርቲ ክወሃበካ ይኽእል
ፈለማ ምስ ናትካ ናይ ሞያ ኣማኻሪ ተዘራረብ። ንሱ ቅድመ-ኩነት እዚ ናይ ምዕባሌ ሓገዝ ክወሃበካ እንታይ ነገራት ክማላእ ከም ዝግባእ የጻርይ፡ ምስኡ‘ኸኣ መሰረታዊ ናይ ብቅዓት ትምህርቲ ዝህባ ትካላት ኣብ ምድላይ ይተሓጋገዘካ። ብወገንካ እውን ባዕልኻ፡ መሰረታዊ ናይ ብቅዓት ትምህርቲ ዝህባ ትካላት ክትደሊ ትኽእል ኢኻ።
ምንጪ፡
ናይ ሓበሬታ ጽሑፍ „Dein Praktikum zur Ausbildung – Betriebliche Einstiegsqualifizierung (EQ)“ ወኪል ፈዴራላዊ ቤት-ጽሒፈት ጉዳይ ዕዮ፡ መስከረም 2015
ናይ ሞያ ምርጫ ብከምዚ ኣገባብ ቀስ'ብቐስ ይካየድ።
ክፍሊ ወሃብ ኣገልግሎት ምኽሪ ወኪል ቤት-ጽሕፈት ጉዳይ ዕዮ፡ ምኽሪ ክፍበካን ምሳኻ ዝከይድ ሞያ ንክትረክብ ከኣ ክተሓጋገዘካ ቅሩብ እዩ። ወሃብ ኣገልግሎት ምኽሪ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ/ዩኒቨርሲቲ ኣብ ምምራጽ ዓይነት ዓውደ ስልጠና ይተሓጋገዙ። መምህራን፣ ወለዲ ከምኡ‘ውን ካልኦት ሰባት፡ ውሳነ ኣብ እትገብረሉ እዋን ደገፍ ይገብሩልካ።
ብውልቀይ እንታይ ክገብር ኣይኽእል? እዚ ዝስዕብ ስጉምትታት ግበር፡
- መጀመርታ ንዓኻ እንታይ የገድሰካን እንታይ‘ከ ጽቡቅ ጌርካ ከም እትኽእልን መርሚርካ ፍለጥ (እንታይ ይደሊ? እንታይ ይኽእል? እንታይ ይፈቱን፡ እንታይ‘ኸ ብፍጹም ዘይፈትዎ? ኣነ ነብሰይ ብከመይ ይግምታ፡ ካልኦት‘ከ ንዓይ ከመይ ይግምቱኒ?) ነዚ ክሕግዘካ ዝኽእል ንኣብነት ሓደ መምዘኒ መርመራ ግበር (መምዘኒ ዕቁር ብቅዓት)፣ ንኣብነት ኣብ BERUFE-Universum. ኣብ ሓደ ትካል ከም መፈተኒ ኢልካ ስራሕ። ምስ ኣማኻሪ ሞያ ወኪል ቤት-ጽሕፈት ጉዳይ ዕዮ፡ እንታይ ዓይነት ሞያ ምሳኻ ክኸይድ ከም ዝኽእል ተመያየጥ።
- ብዛዕባ ዝስዕብ ጉዳይ ሓበሬታ ኣዋህልል፡ እንታይ ዓይነት ናይ ሞያ ስልጠና ኣሎ? እንታይ ዓይነት ጽምዳዊ ላዕለዋይ ደረጃ ስልጠናዊ ትምህርቲ ኣሎ? ናይ ስራሕ ልምምድ ክግበረሉ ዝኽእል ቀረብ ኣበይ ይርከብ?
- ውሳነ ግበር፡ እንታይ ክትገብር ድልየት ኣለካ?
- ሓደ ናይ ሞያ ስልጠና ዝግበረሉ ትካል ቤት-ዕዮ ወይ ትምህርቲ ርከብ። ንዝለዓለ ዓውደ ስልጠና ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ቦታ ድለይ። መመልከቲ ጽሓፍ።


ተወሳኺ ሓበሬታ ብቀጥታ ካብ ኣማኻሪ ሞያ ናይ ወኪል ቤት-ጽሕፋት ጉዳይ ዕዮ ወይ ከኣ ካብ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት www.arbeitsagentur.de ክትረክብ ትኽእል።
ተወሳኺ ሓበሬታ
ምኽሪ ካብ ሰብ-ሞያ:
„ብሓባር ምስ ወሃብቲ ኣገልግሎት ምኽሪ ሞያ ናይ ወኪል ቤት-ጽሕፈት ጉዳይ ዕዮ ኮይና፡ ሰባት ምስ ወሃብቲ ስራሕ ትካላት ነቀራርቦም። ኣብ ጀርመን ሓደ ናይ ሞያ ስልጠና ምምሃር ዋጋ ኣለዎ!“

ብሓባር ምስ ወሃብቲ ኣገልግሎት ምኽሪ ሞያ ናይ ወኪል ቤት-ጽሕፈት ጉዳይ ዕዮ ኮይና፡ ሰባት ምስ ወሃብቲ ስራሕ ትካላት ነቀራርቦም። ኣብ ጀርመን ሓደ ናይ ሞያ ስልጠና ምምሃር ዋጋ ኣለዎ! (መረጋገጺ ስእሊ፡ ውልቃዊ )
ወሃብቲ ኣገልግሎት ናይ ሞያ ምኽሪ፡ ንዓኻ እንታይ ክገብሩልካ ይኽእሉ?
- ብዛዕባ ምስ ናትካ ሞያ ዝተኣሳሰረ፡ ዘለካ ትምኒትን ትጽቢትን ምሳኻ ይመያየጡ፡ ብዘይካ‘ዚ እውን ብዛዕባ ዘለካ ጸገማትን ዘተሓሳስበካ ጉዳያትን ምሳኻ ይዘራረቡ።
- እንታይ ዓይነት ኣንፈት ሞያ ክትመሃር ከም እትደሊ ዘይትፈልጥ እንተኾይንካ፡ ኣብ ጉዳይ ምምራጽ ሞያ ደገፍ ክገብሩልካ ይኽእሉ እዮም።
- ብኣካል ተራኺብካ ኣብ ዝግበር ምዝርራብ፡ ዝኣክል ግዜ ብምውሳድ ሕቶታትካ ይምልሱ።
- ትምህርቲ ሞያዊ ስልጠና ክትገብረሉ እትኽእል ቦታ ኣብ ምድላይ ይተሓጋገዙኻ።
- ፍልጠት ብዛዕባ ናይ ቤት-ዕዮ ትካላትን ክፍት ናይ ሞያ ስልጠና ዝርከበሉን ስለ ዘለዎም፡ በዚ ምኽንያት ንዓኻ ጠቃሚ ምኽር ኣብ ምድላይ ቦታ ከምኡ‘ኸኣ ብሞያ ትስልጥነሉ ትካል የማጽኡልካ።
- ብዘይካ‘ ዚ ብዛዕባ ቤት-ትምህርቲ፣ ብዛዕባ ኣቀራርባ ምልክታ ምድላይ ስራሕ፡ ከምኡ‘ውን ናይ ሞያ ስልጠና ትገብረሉ ቦታ፡ ቀልጢፍካ እንተ ዘይረኺብካ፡ ካልእ ኣንታይ ዓይነት መንገድታት ከም ዘሎ የርእዩኻ።
3ስላምንታይ ኢና ጽምዳዊ ስርዓት ትምህርቲ ሞያዊ ስልጠና ክንገብር መሪጽና?
"ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ኣርእስቲ ሞያዊ ስልጠና ተዛሪብና። ንምዃኑ እዚ እንታይ ማለት እዩ? ብዛዕባ እዚ ኣነ ናብ ጀርመን ኣብ ዝመጻእክሉ ግዜ እውን ኣፍልጦ ኣይነበረንን።"


ኣብዚ ሓደ ናይ ሞያዊ ስልጠና ትምህርቲ ትወስድ። ካብ መጀመርያ ኣትሒዙ ክልሰ-ሓሳብን ተግባርን ብሓንሳብ ተኣሳሲሩ ይኸይድ። በዚ ምኽንያት ከኣ ጽምዳዊ ስርዓት ትምህርቲ ሞያዊ ስልጠና ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ኣብ መዛዘሚ ናይዚ ትምህርቲ ከኣ፡ ኣብ ክልሰ-ሓሳብን ተግባርን ዝተመርኮሰ መዕጸዊ ፈተና ትገብር። ነዚ ክልቲኡ ብዓወት እንተ ሓሊፍካዮ ኸኣ፡ ኣብ መጻኢ ከም በዓል ሞያ ተቆጺርካ ክትሰርሕ ትኻል። ብቀሊሉ ከኣ ጽቡቅ ክፍሊት ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ ክትረክብ ትክእል።
ጽምዳዊ ስርዓት ሞያዊ ስልጠና
እዚ ጽምዳዊ ስርዓት ሞያዊ ስልጠና ንዓይ እንታይ ረብሓ ኣለዎ?
- ብብሉጽ ኣገባብ ክስልጥን ይደልይ እየ።
- ሞያ ስልጠና ኣብ ዝወስደሉ እዋን ናይ ገንዘብ እቶት ክህልወኒ ይደልይ እየ። ድሕሪ ዕዉት ናይ ሞያ ስልጠና ጽቡቅ ናይ ደሞዝ እቶት ክህልወኒ ይደሊ።
- ብቀጥታ ናብ ናይ ስራሕ ተግባር ክኣቱ እየ ዝደሊ። ናይ ሞያ ስልጠና ኣብ ዝገብረሉ ግዜ ኣብ ሓደ ኣስራሒ ቤት-ዕዮ ተቆጺረ ክሰርሕ ድልየት ኣለኒ።
- ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዝተመሃርክዎ ፍልጠትን ክእለትን ብቀጥታ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ድልየት ኣለኒ።
- ኣብ ሓጺር እዋን ጽቡቅ ምስክር ወረቀት መዛዘሚ ይረክብ። ብመሰረት እዚ ናይ መዛዘሚ ምስክር ወረቀት፡ ቀጻሊ ናይ ስልጠና ትምህርቲ ክወስድ ይኽእል። ኣብ ናይ ስራሕ ቤት-ዕዮ ፍልጠተይ ከማዕብል ይኽእል።
- ኣብ ዳሕራይ እዋን ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ / ዩኒቨርሲቲ ሓደ ዓምዲ መጽናዕቲ ክወስድ ይኽእል።
ስለምንታይ እዩ እዚ ኣብ ጀርመን ብጣዕሚ ተፈታዊ ኮይኑ?
- 60% ካብ ብምሉኦም መንእሰያት እዚ ጽምዳዊ ኣገባብ ትምህርቲ ናይ ሞያ ስልጠና ክገብሩ ይጅምሩ።
- እዚ ጽምዳዊ ስርዓት ትምህርቲ ሞያዊ ስልጠና ብዓይኒ ናይ ደሞዝ እትዋት ክርኤ ከሎ ኣገዳሲ እዩ -ቅቡቅ ዝኾነ ደሞዝ ትወሃብ። ሓደ ሞያዊ ስልጠና ዘለዎ ሰብ፡ ኣብ ምሉእ መዋእል ናይ ሞያ ሂወቱ፡ ካብቶም ሞያዊ ስልጠና ዘይብሎም፡ ብዝያዳ ደሞዝ የእቱ።
- ብሞያኻ ውልቃዊ ምዕባሌ ክትገብር ትኻል፡ ኣስራሕቲ ቤት-ዕዮታት ብሞያ ዝሰልጠኑ ሰራሕተኛታት የድልይዎም። መጻኢ ናይ ስራሕ ዕድልካ ጽቡቅ ይኸውን።
- ወናኒ ናይ ስራሕ ቤት-ዕዮ ንክተኸውን እውን ተኽእሎ ኣለካ።
- ብዙሕ ዕድላት ኣለካ፡ ኣስታት 330 ዝኸውን ሞያዊ ስልጠና ዝህባ ሽዱሽተ ዓበይቲ ናይ ስልጠና ክፋላት ኣለዋ:
- ኢንዳስትሪ
- ንግድ
- ኢደ-ጥበባዊ ዕዮ
- ቤት-ጽሕፈትን ምምሕዳርን
- ጥዕና
- ሕርሻ
ብከመይ መንገዲ እዩ እዚ ጽምዳዊ ስርዓት ትምህርቲ ሞያዊ ስልጠና ዝፍጸም?
- መጀመርያ ሓደ ናይ ሞያ ስልጠና ክትወስደሉ እትኽእል ቦታ ትደሊ።
- ን ናይ ሞያዊ ስልጠና ዘገልግል ውዕል ትፈራረም። ን ሞያዊ ስልጠና ዝወሃብ ደሞዝ ከኣ ይወሃበካ።
- ኣብ ናይ ስራሕ ቤት-ዕዮ (ብተግባር) ኣብ ቤት-ትምህርቲ ኸኣ (ብኽልሰ-ሓሳብ) ትመሃር።
- ኣብ መወዳእታ ዝጀመርካዮ ሞያዊ ስልጠና ፈተና ብምግባር ትዛዝሞ። ብደረጃ ሃገራዊ ክብሪ ተፈላጥነት ዘለዎ ምስክር ወረቐት ይወሃበካ። ብእኡ መሰረት ከኣ ስራሕ ንምርካብ ናይ ስራሕ ምድላይ መመልከቲ ትጽሕፍ።
ኣብ መወዳእታ ዝጀመርካዮ ሞያዊ ስልጠና ፈተና ብምግባር ትዛዝሞ። ብደረጃ ሃገራዊ ክብሪ ተፈላጥነት ዘለዎ ምስክር ወረቐት ይወሃበካ። ብእኡ መሰረት ከኣ ስራሕ ንምርካብ ናይ ስራሕ ምድላይ መመልከቲ ትጽሕፍ።
- ዝበዝሕ እዋን ናይ ስልጠና ግዜ ኣብ ናይ ስራሕ ቤት-ዕዮ ተሕልፎ። ምስኡ‘ውን ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሞያ ብምኻድ ክትመሃር ኢኻ።
- ጽምዳዊ ኣገባብ ትምህርቲ ናይ ሞያ ስልጠና፡ ብውሕዱ ክልተ ዓመት፡ እንተነወሓ ከኣ 3 ½ ዓመት ይወስድ
- ኣብ ቤት-ዕዮ ዘለዉ ኣሰልጠንቲ ሞያን፣ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሞያ ዘለዉ መምሃራንን፡ ኣብ ጉዳይ ሞያዊ ስልጠና ክተሓጋገዙኻ እዮም። ሕቶ ምስ ዝህልወካ ወይ እውን ገለ ነገር ምስ ዘይርድኣካ፡ ምስኣቶም ተዘራረብ።
- ኣብ ቤት-ዕዮ ተግባራዊ ዕማማት ትሰርሕ።
- ቤት-ትምህርቲ ሞያ፡ ምስ ካልኦት ካብ ካልእ ናይ ስራሕ ቤት-ዕዮ ዝመጹ ናይ ሞያ ስልጠና ዝመሃሩ ኮይንካ፡ ኣብ ሓደ ናይ ሞያ ቤት-ትምህርቲ፡ ክልሰ-ሓሳባዊ ትምህርቲ ትመሃር። ሞያዊ ትምህርቲ ዝወሃበሉ ቤት-ትምህርቲ፡ ናይ ግደን ኣይኮነን ኣብቲ ትካል ናይ ቤት-ዕዮ ዝርከበሉ ከተማ ዝርከብ። ኣብዚ ትምህርቲ ምክፋል ዝኽፈሎ ገንዘብ የለን።
ብከመይ መንገዲ ናይ ሞያ ስልጠና ቦታ ክረክብ ይኽእል?
- እንታይ ዓይነት ሞያ ክመሃር ከም ዝደለ መጀመርያ ይሓስብ።
- ሞያዊ ስልጠና ዝህባ ትካላት የናድይ።
- መን ክሕግዘካ ይኽእል?
- ወሃብ ኣገልግሎት ምኽሪ ሞያ ናይ ወኪል ቤት-ጽሕፈት ጉዳይ ዕዮ፡ ከምኡ‘ኸኣ ማእከል ሓበሬታ ሞያ (BiZ)
- ቤት-ምኽሪ (ንኣብነት ኢንዱስትሪያዊ ቤት-ምኽሪ፣ ንግዳዊ ቤት-ምኽሪ፣ ኢደ-ስርሒት/ጥበብ ቤት-ምኽሪ )
- ትካል ቤት-ዕዮ
ኣብ ናይ ዕዮ ትካላት፣ ወሃብ ኣገልግሎት ሞያዊ ምኽሪ ናይ ወኪል ቤት-ጽሕፈት ጉዳይ ዕዮ፣ ወሃብ ኣገልግሎት ምኽሪ ሞያዊ ስልጠና ናይ ኢንዱስትሪያዊን ንግዳውን ቤት-ምኽሪ። የዕሩኽትካ እውን ጠቃሚ ምኽሪ ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም።
- ንመናደይ ስራሕ ዘገልግል መመልከቲ ኣቅርብ፡ ምስኡ‘ኸኣ ንዝጽበየካ ቃለ-መጠይቕ ተዳለወሉ። (መን ክሕግዘካ ይኽእል?) ኣብ ቤት-ትምህርቲ ንመምህርካ ከምኡ‘ኸኣ ኣብ ጉዳይ ሞያ ዘማኽረካ ተወከሶም።

ኣገዲሱካ? ተወሳኪ ሓበሬታ ኣብዚ ብምጥዋቅ ትረክብ BERUFENET

ኣብዚ እዋን ናይ ኤለክትሮኒክ (Elektroniker) ሞያዊ ስልጠና ይወስድ ኣለኹ።
ድሌታተይ ኣብ መፈጸምታ ከብጽሕ ስለ ዝደሊ፡ ነዚ መንገዲ ክወስድ ወሲነ ኣለኹ።
እዚ ውሳነ ንበይነይ እየ ወሲነዮ።

ልምምድ ስራሕ (Praktikum) ኣብ ሓደ ቤት-ጽሕፈት ክገብር ይደልይ ኣለኹ። ቴክኒክ ምሳይ ዝኸይድ ኣይኮነን።
ጽምዳዊ ትምህርቲ ሞያዊ ስልጠና፡ ናብ ናይ ሞያ ስራሕ ንምእታው ዝበለጸ መንገዲ እዩ።
ኣቦይን ስድራይን ኣብዚ ጉዳይ ተሓጋጊዞሙኒ።

ሞያዊ ስልጠና ናይ ኢንዱስትሪ መካኒክ (Industriemechaniker) ጀሚረ ኣለኹ።
ሓደ ሞያዊ ስልጠና ምውሳድ፡ ንዓይ ጠቃሚ ዝኾነ ተቀርጾ መጻኢ ሂወተይ እዩ ዝኸፍተለይ።በዚ መንገዲ ኣብ መጻኢ ብመዳይ ሞያ ዕዉት ክኸውን ይክእል።
ውሳነ ኣብ ምግባር የዕሩኽተይ ተሓጋጊዞሙኒ።

ሞያዊ ስልጠና ናይ ኢንዱስትሪ መካኒክ (Industriemechaniker) ይገብር ኣለኹ።
ኣብ ቴክኒክ ተገዳስነት ስለ ዘለኒ።
በዓልቲ-ቤተይን፡ ጀርመናውያን የዕሩኽተይን።
4ብሓባር ሰሚርና ሓያላት ኢና! እዚ ከኣ ንመጻኢ ናይ ሞያ ስርሓይ ጽቡቅ እዩ።
"ዓበይቲ ናይ መሳርሒ ንብረታት ብሓደ ሰብ ጥራይ ክህነጽን ክትከልን ኣይከኣልን እዩ። ውጥን (ፕሮጀክት) ብሓባር ኮይንካ ምስ ዝስራሕ ቅልል ይብል።"

ምሓባር ኮይንካ ምስራሕ፡ ኣብ ጽምዳዊ ኣገባብ ትምህርቲ ናይ ሞያ ስልጠና ኣገዳሲ እዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ሓቢርና ንሰርሕ:
- ሓቢርካ ዝግበር ነገር ቅልል ይብል
- ንድፊ ናይ ሓባር መምርሕታት ይግበር
- ንሕና ሓደ ጋንታ/ሕብረት
- ዕዉት ከም ጉጅለ
- ንሕና ዝብል ቃል ወሳኒ እዩ/li>
- ብሓባር ምስራሕ ንቅድሚት የሰጉመካ
- ብሓንሳእ ምስ እትሓብር ካብ ሓደ ንላዕሊ ኢኻ
- We are family
5ንዓኹም ዝኸውን ጠቃሚ ምኽሪ!
"ዕድልኩም ተጠቀምሉ ተረብሑ!"













6ናትካ ጉዳይ‘ከ ከመይ ክኸውን እዩ?
ገና ኣብ መጀመርያ ኢኻ ዘለኻ። እንታይ ተኽእሎታት ከም ዘለካ ብሕጂ ከነርእየካ ኢና።

ካልእ ናይ ትምህርቲ መንገድን ደገፋ ኣብ ጉዳይ ስልጠናን
ሓደ ዓይነት ሞያ ንኽትገብር ወሲንካ። ብከመይ መንገዲ ን ሞያዊ ስልጠና ዝኸውን ቦታ ክትረክብ ከም እትኽእል ኣብዚ ጠቃሚ ምኽርታት ትረክብ።
ብኸመይ መንገዲ ሞያዊ ስልጠና ዝወስደሉ ቦታ ክረክብ ይኽእል?
- ኣብ ናይ ቤት-ዕዮ ትካላት ከምኡ‘ኸኣ ኣብ ገጽ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ናይ ቤት-ዕዮ ትካላት ተመልከት
- ኣብ መርከብ ሓበሬታ ኢንተርነት ዝወጽእ ናይ ስራሕ ዕዳጋ፣ ንእብነት www.jobboerse.arbeitsagentur.de ወይ ኣብ መዝገብ ሓበሬታ ናይ ዝምልከቶ ጨንፈራት
- ኣብ KURSNET ከምኡ‘ኸኣ ኣብ www.regional.planet-beruf.de ብምግንጻል ፈትሽ
- ኣብቲ ንዓኻ ዝምልከት ወኪል ቤት-ጽሕፈት ጉዳይ ዕዮ ምስ ዝርከብ ወሃብ ኣገልግሎት ሞያዊ ምኽሪ ተመያየጥ
- ኣብ ክሊ የዕሩኽትኻ ከምኡ‘ኸኣ ቤተ-ሰብካ ሕተት
ንጉዳይ መድለይ ስራሕ መመልከቲ ምቅራብ ዘመልክት ሕቶታት ኣለካ። ኣብዚ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል።
ብኸመይ ኣገባብ እየ ትኽክል መድለይ ስራሕ መመልከቲ ክጽሕፍ ዝኽእል?
- ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት www.planet-beruf.de: Einsteigen: BEWERBUNG kompakt
- ምስ ናትካ ናይ ሞያ ኣማኻሪ ተዘራረብ
- ልምምድ መድለይ ስራሕ መመልከቲ ምጽሓፍ ወይ ካልእ ኣብ ናይ ሓበሬታ እንግዶት in den ማእከል ሓበሬታ ሞያ (BiZ)
ንዓኻ ዝኸውን ኣይረኸብካን? ምናልባት እዚ ዝስዕብ ጠቃሚ ሓበሬታ ክሕግዘካ ይኽእል።
ንቀጻሊ ዝመርሕ ሓበሬታ
- ምብጻሕ-ኣፕ (Bamf)
- www.arbeitsagentur.de ኣብ ትሕቲ Für Menschen aus dem Auslandዝብል ኣርእስቲ
- www.planet-beruf.de ኣብ ትሕቲ EINSTEIGEN ዝብል እርእስቲ
- PRO ASYL